Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኳታር ሆስፒታል ሕክምና ኩላሊት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሃንፅ ኢዩ

0 95

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኳታር ብ18 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሆስፒታል ሕክምና ኩላሊት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሃንፅ ኢዩ።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዳይሬክተር ጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕ ኣምባሳደር ተበጀ በርሀ ዝመርሕዎ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ሓለፍቲ ፕሮጀክት ፈንድ ልምዓት ኳታር ዘተ ኣካይዶም።

እቲ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዝህነፅ ሆስፒታል ሕክምና ኩላሊት ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ቅድመ ሐዚ ብመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ሕክምና ኩላሊት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምህናፅ ዝተኣተወ ቃል ቀልጢፉ ተግባራዊ ዝኾነሉ ዝርዝር ነጥቢ ልዝብ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቲ ፕሮጀክት ቀልጢፉ ናብ ዝስርሑ ክኣቲ ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ህንፀት እቲ ሆስፒታል ኣብ ክልተ ምዕራፍ ዝፍፀም እንትኸውን፥ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት እቲ ሆስፒታልን ስልጠና ሰብ ሞያን ዘካተተን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ነቶም ስራሕቲ ተግባራዊ ንምግባር 18 ሚሊየን ዶላር ከምዝተሰለዐ እውን ተሓቢሩ።

Comments
Loading...