Fana: At a Speed of Life!

ዝተጀመረ መሰረታዊ ለውጢ ንምቕፃል ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ሰላምን ፀፅታን ምንጋስ ይግባእ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

0 87

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2011(ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መሰረታዊ ለውጢ ንምቕፃል ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ሰላምን ፀፅታን ምንጋስ ይግባእ ክብላ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

“ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ከይዲ ለውጢ ዕድላትን ዕንቅፋትን ንሰላማዊን ዝሰኸነን ሽግግር ፖለቲካ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝዝቲ መድረኽ፥ ኣብ ኣዳራሽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብ’ቲ መድረኽ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ምሁራን፣ ፖለቲከኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን ይሳተፉ ኣለዉ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን ከምዝበልኡ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብዙህነት ብስርዓት ምትእንጋድ ኣድላዪ ኢዩ።

ብዙህነት ምትእንጋድ ዘኽእል ዝሓሸ ስርዓት ንምህናፅ ድማ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ክላዘቡ ከምዝግባእ አገንዚበን።

ኣብ ዘለናሉ እዋን ሽግግር፥ ዘጋጥሙ ፈተናታት ብብቕዓት ንምውፃእ እወንታዊ ኣጋጣሚታት ብምጥቃም ብሓድነተን ብምድግጋፈን ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢረን።

ነዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዘጋጠሙ ፀገማት ንምስጋር ዓሊሙ ሀዝቢ ዘርኣዮ እወንታዊ ምትእስሳርን ሓድነትን ምድጋም ከምዘድሊ ኣብሪሀን።

ኢትዮጵያ ዝተጀመረቶ መሰረታዊ ለውጢ ንምቕፃል ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ሰላምን ፀፅታን ምንጋስ ይግባእ ክብላ ድማ ገሊፀን።

Comments
Loading...