Fana: At a Speed of Life!

ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ብምዃን ተሸይሞም

0 47

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ብምዃን ተሸይሞም።

ሱዳን፡ ቅድሚ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ምስጋራ ንሰለስተ ዓመት ኣብ መሰጋገሪ ምምሕዳር እትፀንሕ እንትትከውን፥ ንዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስትር ገይራ ሸይማቶም ኣላ።

ዓብደላ ሓምዶክ፥ ሰላም ንምምፃእን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጣባዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ቀዳምነት ሂቦም ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም።

ብኻልእ ወገን ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ዓብደልራሕማን ቡርሃን፥ መራሒ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኮይኖም ተሸይሞም።

እቲ ሓድሽ መንግስቲ ክሳብ ሃገራዊ ምርጫ ዝካየድ እዩ ነታ ሃገር ክመርሕ።

ሓምዶክ ካብ ኢትዮጵያ ምስተመለሰ እዩ መሰጋገሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ክኸውን ተሸይሙ ዘሎ።

ዓብደላ ሓምዶክ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2011 ጀሚሮም ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ በዓል ሞያ ስነ-ቁጠባ ኮይኖም ኣብ ኢትዮጵያ ከገልግሉ ፀኒሖም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ሚኒስትር ፋይናንስ ብምዃን ከገልግሉ ብፕሬዚዳንት ሱዳን ነበር ኣልበሽር ተሓፅዮም ዝነበሩ እንትኾኑ ንሶም ግን ኣይተቐበልዎን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...