Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ እወንታዊ ምዕባለ ኢኮኖሚ ኣመዝጊባ ኢያ- ኢ/ር ኣይሻ መሓመድ

0 111

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2011(ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስትር ልምዓትን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ኣብ ኢንዶኔዢያ ኣብ ዝተሳለጠ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ መሰረተ ልምዓት ተሳቲፈን።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓማውቲ ጠንካራ ምዕባለ ኢኮኖሚ ከምዘመዝገበት ተዛሪበን።

ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዘለዋ ተሳትፎ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር ትሰርሕ ከምዘላ እውን ሓቢረን።

ኣብ ዓውዲታት መሰረተ ልምዓት፣ መገዲ ባቡር፣ ብሄራዊ ልምዓት ሎጂስቲከስ፣ መጓዚያን መገዲ ኣየርን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ዝነኣዱ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሀን።

ብተወሳኺ ኮርፖሬሽን መገዲ ባቡር ምዝርግሑን ዘመናዊ ዝኾነ ክልላዊን ሃገራዊን መርበብ(ኔትዎርክ) ባቡር ይህነፅ ከምዘሎን ሓቢረን።

እቲ ኮርፖሬሽን ምስ ወደብ ጅቡቲ ዘራኽብ 656 ኪለ ሜትሮ መስመር ባቡር ምዝርግሑ፥ ቅድመ ሐዚ ብመኪና ናብቲ ወደብ ንምብፃሕ 84 ሰዓታት ይውድእ ምንባሩ ብምምዝኽኻር እቲ መስመር ባቡር ብምዝርግሑ ናብ 10 ሰዓት ክወርድ ከምዝኸኣለ እውን ሓቢረን።

ዓለም ለኻዊ ጉባኤ መሰረተ ልምዓት ኢንዶኔዢያ- ኣፍሪካ በቢዓመቱ ኣብ ኢንዶኖዢያ ዝካየድ እንትኸውን፥ እታ ሃገር ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዘኽእሉ ዛዕባታት ትኹረት ብምግባር ዘተ ዝግበረሉ ኢዩ።

Comments
Loading...