Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ንሓደሽቲ መራሕቲ ሱዳን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም

0 42

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንሓደሽቲ መራሕቲ ሱዳን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥  ጀነራል ኣብዱል ፈታህ ቡርሀን መራሒ 11 ኣባላት ናይ ዘለውዎ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኮይኖም ብምሿሞም “እንኳዕ ደስ በሎም” ኢለምዎም።

ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተገበረ ክታም ስምምዕነት ስዒቡ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኮይኖም ንዝተሸሙ ኣብደላ ሃምዶክ ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ከምዝገለፁ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እቲ ሓድሽ መንግስቲ ክሳብ ሃገራዊ ምርጫ ዝካየድ እዩ ነታ ሃገር ክመርሕ።

ዓብደላ ሓምዶክ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2011 ጀሚሮም ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ በዓል ሞያ ስነ-ቁጠባ ኮይኖም ከገልግሉ ምፅንሖም ይዝከር።

Comments
Loading...