Fana: At a Speed of Life!

6 ጳጉመን ዝኽሪ መዓልቲ ሃገራዊ ሓድነት ብምዃን ክኽበር ኢዩ

0 72

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቅድመ ምድላው ሃገራዊ መርሃ ግብሪ “ጳጉመን ብምድማር” ይሳለጥ ምህላዉ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ኣብ ሽዱሽቲኦም መዓልታት ጳጉመን ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝሓዙ መርሃ ግብሪታት ዝተተለሙ እንትኾኑ፥ ነቶም ዛዕባታት ዝመርሑ፣ ዘተሓባብሩን ዘፈፅሙን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከምዝተመደቡ እውን ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ፦

1 ጳጉመን ምዕባለ ዝወከለ እንትኸወን፥ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ከተሓባብሮ ኢየ።

2 ጳጉመን ድማ መዓልቲ ሰላም ዝኽበረሉ እንትኸውን፥ ብሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፊሪያት ካሚል ከምዝምራሕ ተገሊፁ።

3 ጳጉመን ሃገራዊ ኩርዓት ብዝበል ስያመ ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ከምዘተሓባብርዎ ተሓቢሩ።

4 ጳጉመን ዴሞክራሲ ዝብል ስያመ ብምሓዝ፥ ብሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ክምራሕ ኢዩ።

5 ጳጉመን ድማ መዓልቲ ፍትሒ ኮይኑ ዝዝከረሉ ዕለት እንትኸውን፥ ብላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ኣይተ ብርሃኑ ፀጋዬ ከምዝምራሕ ተገሊፁ።

ድሮ ሓዱሽ ዓመትን ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዓመተ 2011 ዝኾነት 6 ጳጉመን፥ መዓልቲ ሃገራዊ ሓድነት ኮይና ከምእትዝከር ተሓቢሩ።

ሕብረተሰብ ኣብ’ቶም ዝተረቑሑ መዓልታት ሰፊሕ ተሳትፎ ክገብርን ናብ ዝቕፅል ሓዱሽ ዓመት ተስፋ ሰኒቑ ክሻገረን ከምዝግባእ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ፃውዒት ኣቕሪቡ።

Comments
Loading...