Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኣሸንዳ ከም ህዝቢ ዝነበረና ባህሊ ሓድነት ዘርእይ ኢዩ -ቀ/ይ ሚ/ር ዶክተር ኣቢይ

0 144

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ “ንበዓል ኣሸንዳ እንኳዕ ኣብፀሐኩም!” ብምባል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላልፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በዓል ኣሸንዳ ብዝተፈላለዩ ስያመታት ኣብ ክልል ትግራይን ኣምሓራን እንተተኸበረ እውን መሰረታዊ መግለፂኡ ባህላውን ማሕበራዊን ምትእስሳር ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ከም ህዝቢ ዝነበረና ባህሊ ሓድነት ዘርእይ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ በዓል ሃይማኖታዊ መበገሲኡ እርገት ብምዃኑ፥ ስነ ልቦና ሰባት ክብ ኣብ ምባል ልዑል ዋጋ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።

በዓል ኣሸንዳ ቀደም ካብ ዝነበሮ ትርጉም ብዝበለፀ ሐዚ ዘድሊየሉ ምኽኒያት ድማ፥ ካብ ምንቁልቋልን ኣብ ዘለኻዮ ምሽካልን ወፂእኻ ናብ ላዕሊ ብሓሳብ እትዓርገሉ ወይ እትምዕብለሉ ምዃኑ ኢዩ እውን ኢሎም።

ካብ ዝወረድናዮ ቁልቁለት መሊስና ምድያብ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብኡ ንላዕሊ ልዕል ክንብል ከምእንኽእል እንግንዘበሉ በዓል ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም።

“በዓል ኣሸንዳ ኣሻሓት ዓመታት ዝገበረ በዓል ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እዚ በዓል ኣብ ሓጎስ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ብምዃን እውን ይኽበር ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ስለዝኾነ ደቂ ኣንስቲዮ ብዘጋጠመን ፀገማት ካብ ምንብርካኽ ወፃእ ነቶም ፀገማት ብምንዓቕ ልዕልነተን ዘረጋግፃሉ በዓል እናኽበራ ምምፅአን ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ “ዘጋጠሙና ፀገማት ብምፍታሕ ልክዕ ከምእተን ጎራዙ ምዕባለና ነረጋግፅ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ካብ ፅባሕ 16 ነሓሰ ጀሚሩ በድምቀት ክኽበር ኢዩ።

ኣጀማምራ በዓል ኣሸንዳ ምስ ዕርገት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ሃይማኖታዊ ታሪኻት ይሕብሩ።

እቲ ሽም ባዕሉ ኣሸንዳ ካብ ዝበሃል ቆፅሊ ዝመፀ ምዃኑ ድማ ይእመን።

እዚ ቆዕሊ ከም ኣመንቲ ክርስትና ቅድስተ ማርያም ኣብ 64 ዕድሜኣ እንትትዓርግ እስራኤላዉያን ደቂ ኣንስትዮ “ደምሃሮ” ዝበሃል ቆፅሊ ኣብ ማዕጠቐአን ኣዚረን ይዝምራን ይውድሳን ስለዝነበራ ኣዋልድ ድማ ነዚ ንምዝካር ተባሂሉ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ሳዕሪ ኣሸንዳ ተዓጢቐን የኽብረኦ ሽሙውን ካብቲ ዝዕጠቐኦ ቆፅሊ መፅዩ ክብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ትግራይ ምግላፁ ይዝከር።

Comments
Loading...