Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሱዳን ነበር ኣልበሽር ሚልየናት ዶላራት ካብ ስዑዲ ተቐቢሎም ነይሮም

0 52

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር፥ ካብ ስዑዲ ዓረብ ሚልየናት ዶላራት ከምዝተቐበሉ ኣሚኖም ክብል መርማሪ ገበን ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።

ዑመር ኣልበሽር፥ 25 ሚልየን ካብ ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ንጉስ መሓመድ ቢን ሳልማን ካልእ ቁፅሩ ዘይፍለጥ ገንዘብ ድማ ካብ ስዑዲ ከም ዝተቐበሉ እቲ መርማሪ ገበን ገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ሱዳን ነበር፥  ብብልሽውና ተኸሲሶም ትማሊ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቦም።

ጠበቓታቶም ግና ነቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ክብሉ ነፂጎሞ።

ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ስልጣን ዝሓለፈ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኖም ምእላዮም ይፍለጥ።

እቶም ፕሬዚዳንት ነበር፥ ፃዕዳ ጃላብያን ዑማን ተኸዲኖም ኣብ ውሽጢ ጋብያ ብምዃን ጉዳዮም ከምዝተኸታተሉ ተገሊፁ።

ብዛዕባ እቲ ዝተመስረተሎም ክስታት ኣመልኪቶም ዝኾነ ርእይቶ ከም ዘይሃቡ ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

 

Comments
Loading...