Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ወራሲ ዓራት ሞሃመድ ቢን ሳልማን ብ”ቴሌፎን” ተዛቲዮም

0 84

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ሞሃመድ ቢን ሳልማን ቢን ኣብዱላዚዝ ብ”ቴሌፎን” ተዛቲዮም።

ወራሲ ዓራት ሞሃመድ ቢን ሳልማን፥  ፓርቲታት ፖለቲካ ሱዳን ናብ መድረኽ ሰላም ንክመፅኡ ኢትዮጵያ ንዝገበረቶ ፃዕሪ ንኢዶም።

እዛ ሃገር ኣብ ቀጠና ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንክህሉ እትገብሮ ንዘላ ተግባር ስዑዲ ዓረብ ከምእትድገፍ እውን ኣብ እዋን እቲ ዘተ ምግላፆም ኤጀንሲ ፕሬስ ስዑዲ ዘጊቡ።

ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣመራረሓን መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይሊን ሱዳን ስልጣን ንምምርቓሕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ቅድሚ ክልተ መዓልታት ምፍርራሞም ይዝከር።

ኣብ እዋን እቲ ምንባር ክታም፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሓዊሱ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃመትን መራሕቲ ካልኦት ሃገራትን ከምዝተረኸቡ ይፍለጥ።

ምጥያሽ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሓይሊታት ተቓወምቲ ሱዳን ስዒቡ ብዙሓት ሱዳናውያን ንቀዳማይ ሚኒስተር ዶከተር ኣቢይ ዘለዎም መስጋና ገሊፆም ኢዮም።

Comments
Loading...