Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ሚዛን ንልምዓት ትግራይ 100 ሽሕ ብር ክልግስ ኢዩ

0 114

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቃሕን ሚዛን ንልምዓት ትግራይ 100 ሽሕ ብር ሓገዝ ክህብ ኢዩ።

እቲ ማሕበር መበል 15 ሰሩዕ ጉባኤኡ አብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ከምዝበሎ፥ ንልምዓት ትግራይ ንምውፋይ ዝተኣተወ መጠን ብር ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን አታዊ ክኸውን ኢዩ።

ከምኣገላልፃ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ማሕበር ኣይተ ብርሃነ ሃይለማሪያም፥ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ሚዛን አብ 1997ዓ/ም ብ3 ሺሕን 200 ብር ርእሰማል ተጣይሻ።

ዛጊድ ልዕሊ 69 ሚልየን ብር ርእሰ ማል ወኒና ኣላ።

እታ ማሕበር ሕብረት ስራሕ፥ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንተመዛበልቲ ተጋሩ 100 ሽሕ ብር ከምኡ እውን ንህዳሰ ግድብ 100 ሽሕ ብር ምውፋያ ዝዝከር እዩ።

ፍልፍል፦ድወት

Comments
Loading...