Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዚምባብዌ ተነቢሩ ዘሎ ቁጠባዊ እገዳ ንኽልዓል ፃውዒት ኣቕሪበን

0 23
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)16 ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዚምባብዌ ተነቢሩ ዘሎ ቁጠባዊ እገዳ ብህፁፅ ንክለዓል ንኤሜሪካን ሕብረት ኤውሮፓን ፃውዒት ኣቕሪበን።
 
ኣቦ ወንበር ልምዓት ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪካ ፕዴዚዳንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፥ እቲ እገዳ ነቲ ዞባ ይሃስዮ ከም ዘሎ ኣመልኪቶም።
 
እቲ ቁጠባዊ እገዳ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2002 ፕሬዚዳንት ሮበርት ሙጋበ ኣብ ስልጣን እንከለዉ እዩ ተነቢሩ።
 
ፕሬዚዳንት ዚምባብዌ ኢመርሰን ምናንጋግዋ ብግደኦም፥ እቲ እገዳ ንምዕባለ እታ ሃገር ብኣሉታ ከም ዝፀለዎ ሓቢሮም።
 
እቲ ንኣስታት 20 ዝፀንሐ ቁጠባዊ ተነፅሎ እንተብቂዑ፥ ምዕራባውያን ኣውፈርቲ ክስሕብ ከም ዝኽእልን ቁጠባ እታ ሃገር ክበራበር ከም ዝኽእልን አውን ኣገንዚቦም።
 
ዚምባብዌ፥ ብሰንኪ ሓያል ቁጠባዊ ዝቕባበ ከምኡ ድማ ብሕፅረት ኤሌክትሪክ፣ ማይ፣ ነዳድን ዝኣምሰሉ መሰረታውያን ነገራትን ተናዊፃ ከም ዘላ ይግለፅ።
 
ኣብዚ እዋን እቲ ቁጠባዊ ዝቕባበ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በፂሑ ዘሎ እንትኸውን፥ መሃያ እናወሓደ ብኣንጻሩ ዋጋ ባኒ ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ ብሓሙሽተ ዕፅፊ ወሲኹ ይርከብ።
 
ኣስታት 5 ሚልየን ደቂ ዚምባብዌ ድማ ዋሕዲ መግቢ ኣንፀላልይዎም ከም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ።
 
ኣብ ወርሒ መጋቢት ምምሕዳር ኤሜሪካ “ፖለቲካዊ ለውጢ ክሳብ ዝመፅእ” ብምባል ነቲ ቁጠባዊ እገዳ ንሓደ ዓመት ምንውሑ ይፍለጥ።
 
 
ፍልፍል፦ ቢቢሲ
Comments
Loading...