Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ ምትእኽኻብ እቶት ሰብ ሃፍትን ነጋዶን ትግራይ ቃል ዝተኣተወ ገንዘብ ንምእካብ ይሰርሕ ኣሎ

0 103

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኮሚቴ እቶት ምትእኽኻብ ሰብ ሃፍትን ነጋዶን ትግራይ ቃል ዝተኣተወ ገንዘብ ብእዋኑ ኣታዊ ኾይኑ ትግራይን ህዝባን ዝብህግዎም ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ሓፂር ግዘ ንምጅማር ኣሐይሉ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

እቲ ኮሚቴ ሎሚ ትማሊ ከይዲ ኣተኣኻኽባ ቃል ዝተኣተወ ገንዘብ፣ ክሳብ ሕዚ ዝተኸደሉ ብርኪን ቐፃሊ ክስርሑ ዝግበኦም ንጥፈታትን ኣንፈትን ኣመልኪቱ ምስ ኣባላት እቲ ዓብዩ ኮሚቴ ሓበራዊ ዘተን ገምጋምን ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብዘሓ እቶም ቃል ዝኣተው ሰብ ውልቀ ሃፍቲ፣ ትካላት ልምዓትን ደገፍ ንምግባር ቃል ዝኣተው ባንክታትን ኣብ ዝተፀሩ ባንክታት ኣታዊ ብምግባር ሕጋዊ ቅብሊት ይወስዱ ከምዘለዉ ተገሊፁ ።

ልምዕቲ ትግራይ ንምርኣይ ልዑል ባህጊ ብምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝፀወዐቶ እቶት ምትኽኻብ ገንዘብ ንምሕጋዝ ቃል ዝኣተው ኩሎም ኣካላት ክሳብ መፈለምታ ወርሒ መስከረም ኣታዊ ብምግባር እቶም ተሃቂኖም ዘለው ዓበይቲ ንጥፈታት ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ምጅማር ልዑል ብፂሒት ክገብሩ እውን ፀዊዑ።

እቲ ኮሚቴ ክሳብ ሕዚ ቃል ንዝኣተዉ ኣካላት ብመሰረት ዝኣተውዎ ቃል ብእዋኑ ኣታዊ ንዝገበሩ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ፣ ነጋዶ፣ መንግስታዊ ቤት ዕዮ፣ ኣብ ዘርፊ ትርፍን ልምዓታዊ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ትካልትን ልዑል ምስጋና ዘቕረበ እንትኸው፥ ክሳብ ሐዚ ቃሎም ዘይተንፈሱ ትካላት ኣብ ለውጢ ትግራይ ኢዶም ብምሕዋስ ሰብ ዋና እቲ ታሪኻዊ መድረኽ ክኾኑ ፀዊዑ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ብዘርኣዮ ተበግሶን ናይ ለውጢ ድልውነትን ዝተሰመዖ ዝላዓለ ፍናን ብምግላፅ፥ እቲ ቃል ተኣትዩ ዘሎ ገንዘብ ብእዋኑ ተኣኪቡ ኣብ መዓልኡ ክሳብ ዝውዕልን ትግራይ ብደቃ ለምሊማ ክሳብ ዝርእያን እቲ ኮሚቴ ብወነን ሕራነን ከም ዝሰርሕ እቶም ኣባላት ኣረጋጊፆም።

ፍልፍል፥ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

Comments
Loading...