Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣመራረሓን መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይሊን ሱዳን ስልጣን ንምርቓሕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ተፈራሪሞም

0 80

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣመራረሓን መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይሊን ሱዳን ስልጣን ንምርቓሕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ሎሚ መዓለቲ ተፈራሪሞም።

እቶም ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ጥምረት ስቪላውያን ተቓወምትን ዘካየድዎ ስምምዕ ታሪኻዊ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብቶም ስቪላትን ወተሃደራትን ዝተወፃፅኡ ኣባላት ዘለዎ ሓድሽ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክቐሙም ዘረጋግፅ ከምኡ’ውን ስቪላዊ ምምሕዳር ክምስረትን ሃገራዊ መረፃ ክካየድን መገዲ ዝኸፍት ስምምዕ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሕዎ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ተቓወምቲ ሓይሊ ሱዳንን ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገርን ብሓባር ብምዃን ዘጣየሽዎ ናይ ሽግግር መንግስቲ ስምምዕ ንምግባር ኣብ ዘዳለውዎ መድረኽ ንምርካብ ሎሚ መዓልቲ ናብ ሱዳን ምምርሖም ዝዝከር ኢዩ።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም እንትበፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ብዝገበርዎ ፃዕሪ ክልቲኦም ሓይሊታት ሱዳን ሕገ መንግስቲ ብምርቃቕ ብሓባር ብምዃን ግዚያዊ ሽግግር መንግስቲ ሱዳን ንምጥያሽ ከምዝተስማዕምዑ ይፍለጥ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሽግግር መንግስቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መድረኽ ስምምዕ፥ ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ብምዃን ንዘገልገሉ ኣብደላ ሃምዶክ ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ ሽግግር መንግስቲ ንክኾኑ ተሸይሞም ኣለዉ።

ቁልፊ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን፥ ምስ ተቓወምቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ምምርቓሕ ስልጣን ንምትግባር ቃል ኣትዮም።

እቲ ስምምዕ፥ ንኣዋርሕ ዝቐፀለ ዘይምርግጋእ ሱዳን ብምብቃዕ ሓድሽ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክምስርት ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ስምምዕ፥ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ሽዱስተ ሲቪላውያንን ሓሙሽተ ጀነራላትን ዝሓዘ ሉኣላዊ ባይቶ ነታ ሃገር ከመሓድራ’ዩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...