Fana: At a Speed of Life!

ድምር መጠን ሃፍቲ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 712 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

0 43

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ድምር መጠን ሃፍቲ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 712 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

እቲ ባንኪ ኣፈፃፅማ ትልሚ 2018/19 ዓ.ም.ፈ ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይግምግም ኣሎ።

ላዕለዎት ኣመራርሓ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብቲ መድረኽ ገምጋም ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ፥ ድምር መጠን ሃፍቲ እቲ ትካል 712 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ.ም 17 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ትርፊ ከምዝረኸበ እውን ተዛሪቦም።

ኣብቲ በጀት ዓመት ግልጋሎት እቲ ትካል ንምስፋሕ ዓሊሙ ብዝተሰርሐ ስራሕ፥ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ 157 ቅርንጫፋት ከምዝተኸፈቱ ተሓቢሩ።

ሸርፊ ወፃኢ ብዝምልከት ኣብ 2011 ዓ.ም 6 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ኤሜሪካ ከምዝተኣከበ ኣብቲ ፀብፃብ ተገሊፁ።

Comments
Loading...