Fana: At a Speed of Life!

ሓላፊ ክፍሊ ስለያ ሱዳን ነበር ሳልሕ ጎሽ ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም

0 128

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓላፊ ፀጥትን ሰለያን ሱዳን ዝነበሩ ሳልሕ ጎሽ ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ከምዝተኸልከሉ ተገሊፁ።

ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ዝተኸልከልሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፥ ምስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተኣሳሰር ክሲ ስለዝቐረበሎም እዩ ተባሂሉ።

እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሳልሕ ጎሽ ጥራሕ ዘይኮነስ ስድራ ቤቶም’ውን ናብ እታ ሃገር ንከይኣትዉ እገዳ ከምዝተነበረሎም ተገሊፁ።

ካብ ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዝወፀ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፥ ሳልሕ ጎሽ ፕሬዚዳንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ክሳብ ዝወርዱ ምስ’ቶም ፕሬዚዳንት ጥቡቕ ዝኾነ ርክብ ከምዝነበሮም እኹል ሓበሬታ ኣለኒ እዩ ዝብል።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኤሜሪካ ማይክ ፓምፔዮ፥ ኣብ ሱዳን ብሲቪል ዝቖመ መሪሕነት ክህሉ ኣሜሪካ ምሉእ ደገፍ ከም እትገብር ኣብ ትዊተር ኣብ ዝፀሓፍዎ መልእኽቲ ሓቢሮም ኢዮም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...