Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ቻይናን ብ300 ሚሊየን ዶላር ፓርክ ኢንዱስትሪ ክሃንፃ ኢየን

0 222

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ቻይናን 300 ሚሊየን ዶላር ኤሜሪካ ወፃኢ ብምግባር ፓርክ ኢንዱስትሪ ክሃንፃ ኢየን።

እታ ፓርክ ኣብ ከተማ ኣዳማ ዝህነፅ እንትኸውን፥ ኣብ ፍሪያት ንዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ንምስሓብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ቤት ምኽሪ ንግዲን ኢኮኖሚን ቻይና ሊኡ ዩ ከምዝበልዎ፥ ነቲ ፓርክ ንምህናፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ ፋይናንስን ምድላው 100 ሄክታር መሬትን ይሳለጥ ኣሎ።

ነቲ ህንፀት ካብ ዘድሊ ድምር ገንዘብ እቲ 85 ሚኢታዊ ካብ መንግስቲ ቻይና ብመልክዕ ልቓሕ ዝርከብ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ዝተረፈ 15 ሚኢታዊ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ብዝብጅቶ ገንዘብ ዝሽፈን እንትኸውን፥ እቲ ህንፀት መስተዛዘመ ን25 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ክፈጥር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ሲሲ ኢ ሲሲ ዝተብሃለ ኩባኒያ ቻይና፥ ቅድመ ሐዚ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣዳማ ብ146 ሚሊየን ዶላር ሃኒፁ ከምዘረከበ ይፍለጥ።

እቲ ፓርክ ኣብ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ.ም ዝተመረቐ እንትኸውን፥ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ልዕሊ 1 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምርካብ ከምዘኽእል ይግለፅ።

 

ፍልፍል፦ china.org.cn

Comments
Loading...