Fana: At a Speed of Life!

ሰራሕተኛታት ትራንስ ኢትዮጵያ ንልምዓት ትግራይ ዝኸውን ልዕሊ 3 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ለጊሶም

0 92

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛታት ትራንስ ኢትዮጵያ ንልምዓት ትግራይ ዝኸውን ልዕሊ 3 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ካብ መሃየኦም ኣወፍዮም።

ኣካል ትካል ትእምት ዝኾነ ትራንስ ኢትዮጵያ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ኩባኒያ፥ መንግስትን ህዝቢ ትግራይ ኩለ መዳይ ልምዓት እታ ክልል ንምቅልጣፍ ዓሊሞም ንዘቕረቦ ፃውዒት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ተግባራዊ ምላሽ ሂቦም።

ብመሰረት እዚ እቶም ሰራሕተኛታት ካብ ወርሓዊ መሃየኦም 3 ሚሊየንን 314 ሺሕን 887 ብር ከምዘወፈዩ ምክትል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትራንስ ኢትዮጵያ ኣይተ ማውጫ ወልዱ ገሊፆም።

ኣብቲ ኩባኒያ ካብ ዘለዉ 1 ሺሕን 300 ሰራሕተኛታት እቶም 700 ካብ 50 ሚኢታዊ ክሳብ 100 ሚኢታዊ ከምዘወፈዩ እውን እቶም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣብሪሆም።

ነቲ ዝተውሃበ ወፈያ ዝተረከባ ኣተሓባባሪት ወፈያ ንልምዓት ትግራይ ወ/ሮ መኣዛ ታደለ፥ ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ንልምዓት ዝገብሮ ዘሎ ወፈያ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከምዝግባእ አገንዚበን።

ሰራሕተኛት ትራንስ ኢትዮጵያ ንዝገበርዎ ሓገዝ ድማ ብሽም ህዝብን መንግስት ትግራይ አመስጊነን።

ፍልፍል፦ኤመሓት

Comments
Loading...