Fana: At a Speed of Life!

ዝምባብወ ፀገም ቀረብ ኤሌክትሪክ ንምፍታሕ ዘኽእል ልዕሊ 42 ሚሊየን ዶላር ልቓሕ ረኺባ

0 68

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝምባብወ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ሕፅረት ኤሌክትሪክ ንምፋታሕ ዘኽእል 42 ነጥቢ 5 ሚልየን ዶላር ልቓሕ ከም ዝረኸበት ገሊፃ።

እታ ብመንግስቲ ዝምባብወ እትውነን ጋዜጣ ከምዝሓበረቶ፥ ሚኒስቴር ፋይናንስ ዝምባብወ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ልቓሕ ንምርካብ ክሰርሕ ከም ዝንሐ ገሊፃ።

ይኹን እምበር እቲ ካብ ባንኪ ኣምፃእን ለኣኽን ህንዲ ዝተረኸበ ልቓሕ፥ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ቀረብ ኤሌክትሪክ ቅፅበታዊ ፍታሕ ከምፅእ’ዩ ተባሂሉ ከም ዘይእመን’ዩ ዝግለፅ።

እቲ ተረኺቡ ዘሎ ልቓሕ ንቡሉዋኦን ሃዋንገን ዝብሃላ ፋብሪካታት ቐረብ ኤሌክትሪክ ንምምሕያሽ ከም ዝውዕል’ውን እታ መንግስታዊት ጋዜጣ ኣፍሊጣ።

ኣብ ዝምባብወ ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ኣብ 24 ሰዓታት ንሸውዓት ሰዓታት ጥራይ እዩ ኤሌክትሪክ ዝፍኖ ዘሎ ተባሂሉ።

እቲ ዋሕዲ ቀረብ ኤሌክትሪክ ድማ፥ ኣውፈርቲ ልዕሊ 200 ሚልየን ዶላር ኣሜሪካ መኽሰብ ከምዘስኣኖም’ዮም ዝግምቱ።

መንግስቲ እቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ዝናብ፥ ነቲ መትኒ ቀረብ ኤልክትሪክ እታ ሃገር ዝኾነ ዲጋ ካሪባ መጠን ማዩ ስለዘነከዮ ዝሰዓበ ከምዝኾነ’ዩ ዝገልፅ።

ፋይናንስያዊ ሕፅረት ‘ውን ንፀገም ዋሕዲ ኤሌክትሪክ ከይቕረፍ ሓሊኹ ከምዝሓዞ’ዮም ሰብ መዚ ዝገልፁ።

Comments
Loading...