Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ወሓዚ ሩባ ርብ መሊኡ ብምፍሳሱ ጉድኣት የብፅሕ ምህላዉ ተገሊፁ

0 42

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዙባ ደቡብ ጎንደር ወረዳ ሊቦ ከምከም ዝርከብ ወሓዚ ሩባ ርብ መሊኡ ብምፍሳሱ ጉድኣት የብፅሕ ምህላዉ ተገሊፁ።

ብምኽኒያት እቲ መሊኡ ዝፈስስ ዘሎ ወሓዚ ሩባ፥ ኣብቲ ወረዳ ኣብ ዘለዋ 8 ጣቢያታት ዝነብሩ 2 ሺሕን 203 ኣባይቲ ከምኡ እውን ኣብ ወረዳ ፎገራ ኣብ ዝርከባ 10 ጣቢያታት ዘለዉ 2 ሺሕን 400 ኣባይቲ ሙሉእ ብሙሉእን ብኽፋልን ከምዝተውሓጡ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብተን ወረዳታት ዘሎ 80 ሚኢታዊ ዝራእቲ ሩዝ ጉድኣት ከምዝበፅሖ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተዛሪቦም።

Comments
Loading...