Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓመተ 2012 ብብርኪ ሃገር ኣብ ገፀር ን1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ትልሚ ተታሒዙ

0 30

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዓመተ 2012 ብብርኪ ሃገር ኣብ ገፀር ን1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ትልሚ ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኮሚቴ መራሒ ኢንቨስትመንትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኣብ ወርሒ ነሓሰ መጀመሪያ ተግባራዊ ስርሑ ምጅማሩ ዕላዊ ምግባሮም ይዝከር።

እቲ ኮሚቴ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ስራሕን ደለይቲ ስራሕን ብኣግባቡ ናይ ምርኻብ ስራሕ ብቐዳምነት ዝዓምም ከለምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ በቢዓመቱ ኣስታት 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ንዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምውፋር ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዓሊሙ ከምዝስራሕ እቲ ኮሚቴ ዕላዊ ገይሩ።

ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ካብ ዝተሓረዩ ዓውዲታት ድማ፥ ዘፈር መኣድን፣ ቱሪዝምን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ብቕደም ሰዓብ ተሰሪዖም ኣለዉ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ግብርና ዶክተር ካባ ኡርጌሳ፥ ኣብ ዓመተ 2012 ብብርኪ ሃገር ኣብ ገፀር ን1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ትልሚ ተታሒዙ ይስረሐሉ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ን3 ነጥቢ 8 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ዝሓበሩ ዶክተር ካባ፥ እቲ ሐዚ ብኮሚቴ ተዋሂቡ ዘሎ ትልሚ ንምፍፃም ምስ ክልላት ብምዃን ትልሚ ምድላው ተዛዚሙ ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ኣብሪሆም።

Comments
Loading...