Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ 23 መዓልታት 253 ነጥቢ 78 ሚልየን ብር ግብሪ ክእከብ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

0 42
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ኣብ ውሽጢ 23 መዓልታት ካብ 138 ሺሕን 515 ከፈልቲ 253 ነጥቢ 78 ሚልየን ብር ግብሪ ክእከብ ከምዝኸኣለ ገሊፁ።
 
ካብ 1 ክሳብ 23 ሓምለ 2011 ዓ/ም ብብርኪ ክልል ኣብ ዝተሳለጠ ስርዓት ክፍሊት ዓመታዊ ግብሪ ብርኪ ኣፈፃፅማ ግብሪ ወረዳን ዞባን ዕላዊ ኮይኑ።
 
ብመሰረት እዚ፦
 
ቀዳማይ ዞባ ሰሜን ምዕራብ፥ 27 ሺሕን 338 ከፈልቲ ግብሪ 36 ሚልየን ብር ግብሪ ከፊሎም
 
ካልኣይ ዞባ ደቡብ ምብራቕ፥ 5 ሺሕን 259 ከፈልቲ ግብሪ 5 ነጥቢ 3 ሚልየን(88 ሚኢታዊ) ግብሪ ከፊሎም
 
ሳልሳይ ዞባ ደቡብ፥ 14 ሺሕን 975 ከፈልቲ ግብሪ 24 ሚልየን ብር(86 ሚኢታዊ) ግብሪ ከፊሎም ኣለው
 
ራብዓይ ዞባ ማእኸል፥ 25 ሺሕን 232 ከፈልቲ ግብሪ 37 ነጥቢ 7 ሚልየን ብር(84 ሚኢታዊ) ግብሪ ከፊሎም
 
ሓምሻይ ዞባ ምብራቕ፥ 23 ሺሕን 321 ከፈልቲ ግብሪ 36 ሚልየን ብር(83 ሚኢታዊ) ግብሪ ከፊሎም
 
ሻድሻይ ዞባ ምዕራብ፥ 11 ነጥቢ 619 ከፈልቲ ግብሪ 16 ሚልየን ብር(75 ሚኢታዊ) ግብሪ ከፊሎም
 
ሻውዓይ ዞባ መቐለ፥ 30 ሺሕን 771 ከፈልቲ ግብሪ 98 ነጥቢ 4 ሚልየን ብር(71 ሚኢታዊ) ግብሪ ከፊሎም ኢዮም።
 
ብድምር ከም ትግራይ ካብ 138 ሺሕን 515 ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ውሽጢ 23 መዓልታት 253 ነጥቢ 78 ሚልየን ብር(82 ሚኢታዊ) ግብሪ ክእከብ ክኢሉ እዩ።
 
እዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 3 ሰሙን ዝተኣከበ ኣፈፃፅማ ግብሪ እንትነፃፀር ናይ ሎሚ ዓመት ብ12 ሚኢታዊ ዝዛየደ እዩ።
 
ብመንፅር እቶት ድማ ብ70 ሚሊየን ብር ኣፈላላይ ከምዘለዎ እቲ በዓል መዚ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
 
 
 
ፍልፍል፦ድወት
 
Comments
Loading...