Fana: At a Speed of Life!

ኣለጃንድሮ ግያማቲ ፕሬዚዳንት ጓቲማላ ብምዃን ተመሪፆም

0 85

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጓቲማላ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ኣባል ዓቓባዊ ፓርቲ ኣለጃንድሮ ግያማቲ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ብምኻን ተመሪፆም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረፃ፥ ኣለጃንድሮ ግያማቲ 59 ሚእታዊ ክረኽቡ እንከሎዉ መወዳድርቶም ዝነበራ ሳንድራ ቶረስ 41 ሚእታዊ ከም ዝረኸባ ተሓቢሩ።

ብዓልቲ ቤት ፕሬዚዳንት ጎቲማላ ነበር ሳንድራ ቶረስ ንሳልሳይ ግዜአን ንፕሬዚዳንትነት ክወዳደራ እንከለዋ፥ ኣለጃንድሮ ግያማቲ ብግደኦም ኣብ ራብዓይ ፈተንኦም ‘ዮም ተዓዊቶም።

ወዲ 63 ዓመት ኣለጃንድሮ ግያማቲ ቅድሚ ፕሬዚዳንት ኮይኖም ምምራፆም፥ ነቲ ምስ ኣሜሪካ ዝተፈረመ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ኣካታዒ ስምምዓት ከምዝቕይርዎ ተመባፂዖም ነይሮም።

ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ነበር ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ጂሚ ሞራልስን ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕን ዝተበፅሐ ስምምዕ፥ ንጓቲማላ ኣቋሪፆም ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት መሬት ኣሜሪካ ከይረገፁ ኣብ ጓቲማላ ኮይኖም “ቪዛ” ክሓቱ ዝብል ይርከቦ።

ኣለጃንድሮ ግያማቲ “ንህዝብና ዝኣክል ክንቕርብ ዘይከኣልና ወጻእተኛታት እንተተወሲኸሞ እንታይ’ዩ ክኸውን?” ብምባል  ሕቶ ከምዘቕረቡ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...