Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሃገረ ሞዛምቢክ ከተማ ቤይራ ሓዱሽ በረራ ክጀምር ኢዩ

0 72

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሃገረ ሞዛምቢክ ከተማ ቤይራ ሓዱሽ በረራ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ሰሙን ሰለስተ ጊዘ በራረ ንምግባር ዘኽእሎ ምድላው ከምዝገበረ እውን ገሊፁ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም፥  ናብ ዓበይቲን ዋና ከተማታትን ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ኣናእሽቱ ከተማታት እውን በረራ ብምክያድ ንዓማዊሉ ተወሳኺ ዕድል ጉዕዞ ንክፍጠረሎም ዝዓለመ ስራሕ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

ከተማ ቤይራ ኣብ ሞዛምቢክ ካብ ዘለዋ ኣርባዕተ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሓንቲ እንትትከውን፥ መናሃሪያ ንግዲ ከምዝኾነት ተገሊፁ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሸሞንተ ከተማታት ሞዛምቢክ በረራ ዘካይድ እንትኸውን፥ እታ ኣብዚ ወርሒ መወዳእታ በረራ ክካየደላ ተሃቂኑ ዘሎ ከተማ ቤይራ ካብ ኣውሮፓን ኣሜሪካ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለም ንዝመፅኡ ዓማዊል ግልጋሎት ንምሃብ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሓሙሽተ ኣህጉራት ናብ 120 ከተማታት በረራ ከምዘካይድ ይፍለጥ።

Comments
Loading...