Fana: At a Speed of Life!

ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ፅጋቡ ገብረማርያም ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ቕድድም ቱር ፖሎኝ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ

0 63

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ፅጋቡ ገብረማርያም ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሻውዓይ መድረኽ ቕድድም ቱር ፖሎኝ ራብዓይ ደረጃ ብምውፃእ ዝነኣድ ውፅኢት ኣመዝጊቡ።

ብሓፈሻዊ ውፅኢት ድማ መበል 22 ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።

ንተኸታታሊ ሸውዓተ መዓታት ክካየድ ዝቐነየ ቕድድም ብሽክለታ ቱር ፖሎኝ ትሚሊ ተዛዚሙ።

ቕድድም ሻውዓይ መድረኽ 132 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ እንትኸውን፥ ፅጋቡ ገብረማርያም ድማ ራብዓይ ደረጃ ብምውፃእ ዝነኣድ ውፅኢት ኣመዝጊቡ ኣሎ።

እቲ ቕድድም እንትጅመር 153 ተቐዳደምቲ ተሳተፍቲ ነይሮም።

ካብዚኦም እቶም 110 እዮም ውድድሮም ዛዚሞም።

ብሓፈሻዊ ውፅኢት ድማ ኣውስትራልያዊ ፓቬል ሲቫኮቭ ካብ ጋንታ ኢኒዮስ ቐዳማይ ብምውፃእ ተዓዊቱ።

Comments
Loading...