Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮርያ ቦትኡ ናብ ዘይተነፀረ ሚሳኤል ኣወንጪፋ

0 55

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ውሽጢ ጥራሕ ንሓምሻይ ግዘ ክበሃል ዝኽእል ክልተ ሚሳኤል ናብ ባሕሪ ኣወንጪፋ።

ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ ሓፂር ርሕቐት ዝጉዓዙ ባላስቲክ ሚሳኤል ምዃኖም ገሊፆም።

እዚ ፍፃመ ሓቅነቱ እንተድኣ ተረጋጊፁ፥ ንድንጋገ 11 ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝፃባእ ክኸውን’ዩ።

ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሰሜን ኮርያዊ መዘንኦም ኪም ጆንግ-ኡን “ደስ ዝብል ደብዳበ ተቐቢለ” ምስ በሉ’ያ ሰሜን ኮርያ ሚሳኤል ኣወንጪፋ ዘላ።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ “ካልእ ኣኼባ ዝህልወና ይመስለኒ። በዓል ሰለስተ ገፅ ፅቡቕ ደብዳበ’ዩ ፅሒፉለይ” ክብሉ ሓቢሮም ነይሮም።

እንተኾነ ሰሜን ኮርያ፥ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ብዘካየድኦ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ሕጉስቲ ኣይነበረትን ኢሎም።

ምምሕዳር ሰሜን ኮርያ፥ ክልቲኤን ሃገራት ዘካይድኦ ዝተዋደደ ወተሃደራዊ ታዕሊም እታ ሃገር ምስ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዝበፅሐቶ ስምምዕ ዝጥሕስ’ዩ ክትብል ቁጥዕኣ ገሊፃ’ያ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...