Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ጉሎ መኸዳ 40 ሰብ ዉልቀ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ከምዝወሰዱ ተሓቢሩ

0 40

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2011(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ.ም 40 ሰብ ዉልቀ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ከምዝወሰዱ ተሓቢሩ።

ክኢላ ኢንቨስትመንት እቲ ወረዳ ኣይተ ሓዱሽ ገብረትንሳኤ ከምዝበልዎ፥ ካብቶም 40 ሰብ ሃፍቲ እቶም 5 ሰብሃፍቲ ናብ ስራሕ ኣቲዮም ኢዮም።

ነቶም ሰብ ሃፍቲ ዝተዳለወ መሬት 60 ሄክታር መሬት ከምዝኸነ እውን ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ  35 ሰብ ሃፍቲ ፕሮፖዛል ሕቶ ኢንቨስትመንት ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ምላሽ ንምሃብ ዓሊሙ ምስ ክልል መንግስቲ ምዝርራብ ይግበር ከምዘሎ ኣይተ ሓዱሽ ሓቢሮም።

ብሳራ አብራሃለይ

Comments
Loading...