Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዘሎ ትሕቲ ክልተ ዓመት ሕማም ድኽዳኸ ንምንካይ ይስራሕ ኣሎ

0 107

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ዘሎ ትሕቲ ክልተ ዓመት ሕማም ድኽዳኸ ንምንካይ ዝምልከቶ ኣካል ግድኡ ከበርክት ፃውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ጉዳይ ቃልኪዳን ሰቖጣ ኣማኻሪ ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ሃይለ ኣስፈሃ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝበልዎ፥ ከም ክልል 39 ሚኢታዊ ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ብድክዳኸ ዝተጠቕዑ እዮም።

ኣብ ተፋሰስ ሩባ ተኸዘ ድማ እቲ ፀገም ብዝኸፍአ መልክዑ ክሳብ 47 ሚኢታዊ ከምዝበፅሕ ተዛሪቦም።

ምኽንያት ሞት ንኣስታት 45 ሚኢታዊ ህፃናት ድኽዳኸን ምስ ድኽዳኸ ዝተኣሳሰሩ ፀገማት እዮም ዝበሉ እቶም ኣማካሪ፥ 16 ሚኢታዊ ትምህርቶም ዘቋርፁ ተምሃሮ ብሰንኪ እቲ ሕማም እዩ ኢሎም።

ናይዚ ቀንዲ መከላኸሊ ድማ ሓንቲ ኣዶ ጥንሲ ካብ ዝጀመራ ክሳብ ህፃን ክልተ ዓመቱ ዝመልእ ዝተመጣጠነ መግቢ ምምጋብ እዩ ተባሂሉ።

ትግራይ ፕሮግራም ቃል ኪዳን ሰቖጣ ምስ ሕርሻ፣ ማይ፣ ጥዕናን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ሕማም ድኽዳኸ ኣብ 2022 ዓ.ም ናብ ዜሮ ንምውራድ እናተሰርሐሉ እዩ ኢሎም ኣይተ ሃይለ።

ሕማም ድኽዳኸ ንምክልኻል እቲ ፕሮግራም መራሕቲ ሃይማኖትን ቤት ምኽሪ ትግራይን ክፈልጥዎ ተጌሩ።

ንቐፃሊ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ትሕቲ ክልተ ዓመት ሕማም ድኽዳኸ ንምንካይ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ግድኡ ከበርክት ፅውዒት ኣቕሪቦም።

ብዮናታን ግዛቸው

Comments
Loading...