Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጃፓንን ሰነድ ስምምዕነት ሓገዝ 2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን

0 41

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጃፓንን ሰነድ ስምምዕነት ሓገዝ 2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን።

እቲ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ዓውዲ ጥዕና ንምምዕባልን ንእታዎት ሕክምና ዝኾኑ ናውቲ ንምግዛእን ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ብወገን ኢትዮጵያ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣይተ ኣድማሱ ነበበ ብወገን ጃፓን ድማ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣቢ ኢትዮጵያ ዳይሱኬ ማትሱንጋ ክታሞም ኣምቢረሙሉ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ስሃርላ ኣብዱላሂ፥ ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ዐሊሙ መነግስቲ ጃፓን ንዝገበሮ ሓገዝ አመስጊኖም።

ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሱኬ ማትሱንጋ በግደኦም፥ ኢትዮጵያ ዘፈር ጥዕና ንምምሕያሽ ንእትገብሮ ፃዕሪ ሃገሮም እትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ተዛሪቦም።

Comments
Loading...