Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደቡብ ኣፍሪካ ናይ ዘለዉ 150 ኢትዮጵያውያን ጉዳይ ይከታተሎ ከምዘሎ ገሊፁ

0 42

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደቡብ ኣፍሪካ ናይ ዘለዉ 150 ኢትዮጵያውያን ጉዳይ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ነብያት ጌታቸው፥ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ኣኽበርቲ ፀፅታን ነበርቲን ብዘጋጠመ ጎንፂ 600 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝተኣሰሩ ተዛሪቦም።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝኣተዎ ሰባት እቶም 150 ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።

መበገሲ እቲ ጎንፂ፥ ኣኽበርቲ ፀፅታ እታ ሃገር ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምቁፅፃር ዓሊሞም ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ ከባቢ ዘጋጠመ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ዝተፈላለዩ ናውቲን ነበርቲን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ገሊፆም።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ብሕጋዊ መገዲ ምንቅስቓስ ንግዲ ይገብሩ ንዝነበሩ ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ኣረዲኦም።

ብለይኩን ኣለም

Comments
Loading...