Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ናብ ኢኳቴሪያል ጊኒ ኣምሪሓ

0 112

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ዙር መፃረዪ ፀወታታት ቻምፒየንስ ሊግ ካፍን ኮንፌዴሬሽን ዋንጫን ዕለተ ቀዳምን ሰምበትን ክሳለጥ ኢዩ።

ስለዝኾነ ኣብ መፃረዪ ውድድር ቻምፒየንስ ሊግ ካፍ፥ ኢትዮጵያ ብምውካል እትፃወት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንድርታ ትማሊ ናብ ኢኳቴሪያል ጊኒ ኣምሪሓ።

መቐለ 70 እንድርታ ሻምፒዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2011 ከምዝኾነት ይፍለጥ።

እታ ጋንታ ምስ ካኖ ስፖርትስ ኣካዳሚ ኣብ ማላቦ ቀዳማይ ዙር ፀወታኣ ዕለተ ቀዳም ሰዓት 11 ከምእተካይድ እውን ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ኮንፌዴሬሽን ካፍ ምስ ፋሲል ከነማ እትፃወት ኣዛም (ክለብ ታንዛኒያ) እውን ዕለተ ቀዳም ኣብ ስታዲየም ባህርዳር ውድድሩ ንምክያድ ናብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣቲዩ።

እቲ ፀወታ ዕለተ ሰምበት ሰዓት 10 ከምዝሳለጥ እውን ተሓቢሩ።

Comments
Loading...