Fana: At a Speed of Life!

ሕፅረት ሎጂስቲክስን መጓዓዚያን ኣቬሽን ንምቕራፍ ዓሊሙ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኢንቨስትመንት ኣብ ትግራይ ፈላማይ ዋዕልኡ ኣሳሊጡ

0 49
ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) “ኖርዝ ስታር ቢዚነስ ግሩፕ”(North Star Business group) ዝተብሃለ ጉጅለ ኢንቨስትመን ኣብ መቐለ ሆቴል ፕላኔት ዋዕላ ፈላማይ ዓመት ምስረትኡ ኣሳሊጡ።
 
እቲ ጉጅለ ኢንቨስትመንት፥ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራት ወፃኢ ዓዲን ዝነብሩ ግዱሳት ተወለድቲ ትግራይ ዘጣየሽዎ ኢዩ።
 
እቲ ትካል ብቐዳምነት ሕፅረት ሎጂስቲክስን መጓዓዚያን ኣቬሽን ንምቕራፍ ዓሊሙ ዝንቀሳቐስ እንትኸውን፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተወዳዳሪ መገዲ ኣየር ንምዃን ከምዝነጥፍ ተገሊፁ።
 
ብተወሳኺ ንምዕባለ ቱሪዝም ትግራይ፣ ኬብል ካር(ግልጋሎት ባቡርን ዝመሳሰሉን)፣ ግልጋሎት ፅዕነትን ስልጠና ኣቬሽንን ንምሃብ ከምዝሰርሕ ተገሊፁ።
 
እቲ ጉጅለ ኢንቨስትመንት ኣብ መቐለ በዓል 35 ደብሪ ህንፃ ንምህናፅ ትልሚ ከምዘለዎ እውን ኣባላት መስረትቲ ሎሚ መዓልቲ ዘቕረብዎ ፕሮጀክት ይሕብር።
 
ኣብ መቐለ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ፈላማይ ዋዕላ፥ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ፓይለታት ተሳቲፎም።
 
እቲ ፕሮጀክት ቀልጢፉ ናብ ተግባር ክሰጋገር ከምዝግበኦ ድማ እቶም ተሳተፍቲ ርእይተኦም ገሊፆም።
Comments
Loading...