Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ሰነድ ስምምዕነት ሓገዝ 98 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን

0 31

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ሰነድ ስምምዕነት ሓገዝ 98 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪመን።

ኣብቲ ዝተገበረ ሰነድ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ኣካያዲ ስራሕ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዱል ካማራን ክታሞም ኣምቢሮም።

እቲ ሓገዝ ገንዘብ፥ ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ ንኮሪደር ትራንስፖርት ኢትዮ-ጂቡቲ ዝሰለዖን ንህንፀት ቀዳማይ ምዕራፍ እቲ ፕሮጀክት ዝውዕልን ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ሰደድ ወፃኢን ውሽጢ ዓዲን ኢትዮጵያ ኣብ ምስላጥን ንኣፍረይቲ ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን ዝውዕል ፕሮጀክት ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ንትራንስፖርት ዝግበር ወፃኢ ብምቕናስ ተረባሕነት ኢኮኖሚ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምዕባል ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣስታት 3 ሺሕ ንዝኾኑ ገናሕቲን መናእሰይን ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ተረባሕቲ ከምዝገብር እውን ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት ካብ ኣዳማ ክሳብ ኣዋሽ ንዘሎ 60 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መገዲ ዝሽፍን ከምዝኾነ አወን ተሓቢሩ።

Comments
Loading...