Fana: At a Speed of Life!

ስታዲየም ትግራይ ፀወታታት ካፍ ንኸካይድ ግዚያዊ ፍቓድ ረኺቡ

0 79

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ስታዲየም ትግራይን ባህርዳርን ፀወታታት ካፍ ንኽካየደሎም ዘኽእል ግዚያዊ ፍቓድ ከምዝረኸቡ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ስታዲየም ትግራይ፣ ባህርዳር፣ ድሬዳዋ፣ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ስታዲየም ኣደይ ኣበባ መዐቀኒታት ውድድር ካፍ ዘየማልኡ ብምዃኖም ትሕቲ ዓቕሚ ከምዝኾኑ ካፍ ምግላፁ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ካፍ እትሳተፍ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታን ኣብ ኮንፌዴሬሽን እትሳተፍ ባህርዳር ከነማን ኣብ ዓለም ለኻዊ ስታዲየም ትግራይን ባህርዳርን ፀወተአን ንኸካይዳ ሕቶ ከምዘቕረበ እቲ ፌዴሬሽን ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቶም ስታዲየማት ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ትሑት መዐቀኒ ካፍ ንኸማልኡ ብምግላፅ፥ ውድድራት ካፍ እተን ብሄራዊ ጋንታታት ኣብ ክልቲኦም ስታዲየማት ንኽካየዱ ብግዚያውነት ፈቒዱ ኣሎ።

ስለዝኾነ ካብ ሎሚ መዓልቲ 1 ነሓሰ 2011 ጀሚሩ ክሳብ 1 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ዘሎ እዋን ብግዚያውነት ተፈቒዱ ኣሎ።

ስለዝኾነ ኣብቶም ዝተፈቐዱ ክልተ ኣዋርሕ እቶም ስታዲየማት ዘየማልእዎ እታዎታት ንከማልኡ ዘኽእል መምርሒ ተዋሂቡ።

Comments
Loading...