Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮርያ ብመጥቃዕቲ ሳይበር ክልተ ቢሊየን ዶላር ሰሪቓ-ፀብፃብ

0 77

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ነሓሰ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፅዋር መደባታ ብገንዘብ ንምሕጋዝ መጥቃዕቲ ሳይበር ብምፍፃም ክልተ ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሰሪቓ ክብል ልሒኹ ዝወፅአ ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

እቲ ሚስጢራዊ ፀብፃብ፥ ፒዮንጊያንግ ገንዘብ ንምእካብ ባንክታትን ናይ ክሪፕቶ ካረንሲ ምልውዋጣትን ተጠቒማ’ዩ ኢሉ።

ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ማዕኸናት ሚዲያ ዓለም ዝኾኑ ሰባት ድማ፥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 35 መጥቃዕታት ሳይበር ክምርምር’ዩ ፀኒሑ ኢሎም።

እቲ ልሒኹ ዝወፅአ ናብ ባይቶ ፀጥታ ኮሚቴ ማዕቀብ ሰሜን ኮርያ እቲ ውድብ ዝተልኣኸ ፀብፃብ፥ “ሰሜን ኮርያ ንእተካይዶም ዝተሓላለኹ መጥቃዕታት ንምሕጋዝ ካብ ፋይናንሳዊ ትካላት ገንዘብ ሰሪቓን ገንዘባዊ ምንጪ ንምርካብ ድማ ምልውዋጥ ክሪፕቶ ካረንሲ ተጠቒማን” ኢሉ።

ሰሜን ኮርያ ክልተ ሚሳይላት ብሰሉስ ዘወንጨፈት እንትትከውን፥ ዳርጋ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ኣርባዕተ ግዜ ኣወንጪፋ’ያ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝወፅአ መግለፂ መንግስቲ እታ ሃገር፥ ፕሬዚዳንት ኪም ጆንግ-ኡን እቲ ምውንጫፍ ሚሳይል ጥሙር ወተሃደራዊ ታዕሊም ንዘካይዳ ዘለዋ ሃገራት ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን መጠንቀቕታ’ዩ ምባሎም ይዝከር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...