Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት ኻልኣይ ፅምብል ዳያስፖራ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ዓብይ ጉያ ተኻይዱ

0 86

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ኻልኣይ ዙር ዓለም ለኸ ፅምብል ኮንፈረንስ ዳያስፖራ ትግራይ 5 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ዓብይ ጉያ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተሳለጠ ዓብይ ጉያ፥ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተጋሩ፣ ነበርቲ ከተማ መቐለን ስሙያት ኣትሌታትን ተሳተፍቲ ኾይኖም እዮም።

ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ወ/ሮ ገነት ኣረፈ፥ እቲ ዓብይ ጉያ ሓድነት ተጋሩ ደሚቑ ዝተረኣየሉ ከምዝኾነ ሓቢረን።

“ንዕብየት ትግራይ ብሓባር ንቕድሚት ንጉየ” ዝብል ኘሪሕ ቃል ከምዘለዎ እውን ሓቢረን።

ኣብቲ ዓብይ ጉያ ዝተሳተፉ ዳያስፖራ ተጋሩ ብግዲኦም፥ ትግራይ ብስፖርት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንክትበፅሕ ኣድላይ ሓገዝ ንምግባር ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊፆም።

ፍልፍል፦ኤመሓት

Comments
Loading...