Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፅሕፈት መገጣጣሚ ፋብሪካ ዘመናዊ መሳርሒ ወሃቢ ሓበሬታ ወርቅን መኣድንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ  

0 51

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት መገጣጣሚ ፋብሪካ ዘመናዊ መሳርሒ ወሃቢ ሓበሬታ ወርቅን መኣድንን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ከባቢ ጎፋ ተኸፊቱ።

እቲ “ኣልሂላሊ ጎልድ ማይኒንግ” ዝተብሃለ ኩባኒያ፥ ነቲ መሳርሒ ብምግጥጣም ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣፍሪካ ንዘለዉ መፍረይቲ ወርቂ ከምዘቕርብ ተገሊፁ።

ካብ ሚኒስቴር ማእድንን ነዳዲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፥ ቤት ፅሕፈት ኩባኒያ ኣልሂላሊ ጎልድ ማይኒንግ ብሰብ ሃፍቲ ኢሚሬት ሕቡራት ዓረብ ኢዩ ተሃኒፁ።

እቲ ፋብሪካ ስርሑ ብዕሊ እንትጅምር፥ ስራሕቲ ኣለሻ ወርቂ ብቐሊሉ ንምፍፃም ዘኽእሉ ቴክኖሎጂታት ከቕርብ ኢዩ።

Comments
Loading...