Fana: At a Speed of Life!

ጋንታታት ፕሪሚየር ሊግ ትግራይ ንምድላው ቅድመ ውድድር ናብ ዱባይ ከምርሓ ኢየን

0 101

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታ፣ ወልዋሎን ስሑል ሽረን ንምድላው ቅድመ ውድድር ናብ ዱባይ ከምርሓ ኢየን።

እተን ጋንታታት ኣብ ዱባይ ብምኻድ ንዝገብርኡ ምድላው ቅድመ ውድድር፥ ዘድሊ ወፃኢ ሓደ በዓል ሃፍቲ ከምዝሽፍኖ ተገሊፁ።

ኣብ ዱባይ ኣብ ዝህልወን ፃንሒት ድማ ዓቕመን ዝፍትሻሉ ፀወታ ከምዘካይዳ ተሓቢሩ።
እተን ጋንታታት ኣብዚ ሐዚ እዋን ጉዕዞ ንምግባር ዘድሊዩን ካልኦት ተመሳሰልቲ ቅድመ ምድላዋትን የካይዳ ከምዘለዋ እውን ተገሊፁ።

እቲ ቅድመ ውድድር መዓዝ ከምዝጅመር ዝተገለፀ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፥ ኣብ ክሊ እቲ ምድላውን ሓፈሻዊ ኩነታትን ብዝምልከት መፃኢ ዕለተ ሰኑይ ኣብ መቐለ መግለፂ ክወሃብ ኢዩ።

Comments
Loading...