Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ መኪና ገጭዩ ክሃድም ዝፈተነ ውልቀ ሰብ 200 ሚልየን ዶላር ዘውፅእ ሓሽሽ ኣብታ ዝሓዛ መኪና ተረኺቡ

0 113

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)200 ሚልየን ዶላር ዘውፅእ ሓሽሽ ዝፀዓነት መኪና ምስ ተሽከርካሪት ፖሊስ ብምግጫዋ ተቓሊዓ።

ኣብ ሲድኒ ኣውስትራልያ ኣብ ከባቢ መደበር ፖሊስ ደው ኢላ ንዝነበረት ናይ ፖሊስ መኪና ገጭዩ ክሃድም ዝፈተነ ውልቀ ሰብ ኣብ ቀይድ ምስ ኣተወ ኢዩ እቲ 200 ሚልየን ዶላር ኣሜሪካ ዘውፅእ ሓሽሽ ኣብታ መኪና ተፃዒኑ ተረኺቡ።

እቲ ወዲ 28 ዓመት መራሕ መኪና ክሃድም እኳ እንተፈተነ፥ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሲድኒ ከመዝተትሓዘ ተገሊፁ።

እታ መኪና ምስ ተፈተሸት ድማ 273 ኪሎግራም “ሜት” ዝበሃል ዕፀፋርስ ተረኺቡ።

በቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ጉድኣት የለን።

እታ ናይ ፖሊስ መኪና ግና ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበፅሓ ሰብ መዚ ሓቢሮም።

“ሜት” ኣብ ኣውስትራልያውያ ኣዝዩ ዝውቱር ዘይሕጋዊ ዕፀፋርስ እዩ።

ኣዝዩ ክቡር ብምዃኑ ድማ ዝተወደቡ ጉጅለታት ገበን  ኣብ ንግዲ እቲ ዕፀፋርስ ክሳተፉ ሰሓቢ ኮይኑ ምህላው ይግለፅ።

እቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዘሎ ስሙ ዘይተገለ ውልቀሰብ ብሰሉስ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ እንትኸውን፥ ምቕራብ ሓሽሽን ብሸለልትነት መኪና ምምራሕን ዝብሉ ክስታት ተመስሪቶምሉ ኣለው።

Comments
Loading...