Fana: At a Speed of Life!

ሰራሕተኛ ሱፐርማርኬት ድሕሪ ናይ 10 ዓመት ኣለሻ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ትካል ንግዲ ተረኺቡ

0 122

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛ ሱፐርማርኬት ድሕሪ ናይ 10 ዓመት ኣለሻ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ትካል ንግዲ ተረኺቡ።

ፖሊስ ከም ዝሓበሮ እንተኾይኑ እቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣወቆፓውያን 2009 ዝጠፍአ ውልቀሰብ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ሱፐር ማርኬት ኣብ ድሕሪ መዝሓሊ ማሽን (ፍሪጅ) ተቐርቂሩ’ዩ ተረኺቡ።

ወዲ 25 ዓመት ላሪ ኤሊ ሙሪሎ-ሞንካዳ ምናልባት ኣብቲ 45 ሴንቲ ሜትሮ ስፍሓት ዝነበሮ መቐራቕሮ ወዲቑ ክኸውን ከም ዝኽእል መርመርቲ ሓቢሮም።

ካብቲ መዝሓሊ ማሽናት ዝወፅእ ድምፂ ድማ፥ ነቲ ንሱ የስምዖ ዝነበረ ድምፂ ቓንዛ ወይ ፃውዒት ሓገዝ ንኸይስማዕ ገይሩዎ ክኸውን ከም ዝኽእል መርማሪ ፖሊስ ብራንደን ዳኒልሰን ተዛሪቡ።

ብዛዕባ ኣማውትኡ ጥርጣረ ዝፈጥር ተግባር ገበን ከም ዘየለን ብሓደጋ ክመውት ከም ዝኸኣለን’ዩ ዝግለፅ ዘሎ።

ኣካሉ ፈሪሱ ስለዝተረኸበ ግን፥ መንነቱ ንምልላይ ነዊሕ ግዜ እዩ ወሲዱ።

“ብፍላይ ኣብዚ ከባቢ ከምዚ ዝበለ ጉዳያት ክትሰምዕ ልሙድ ኣይኮነን” ዝበለ መርማሪ ዳኔልሰን፥ ደሃዮም ዝሰኣን ሰባት’ኳ እንተሃለዉ እዚ ግን ዝተፈለየ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።

ሙሪሎ ቅድሚ ደሃዩ ምጥፍኡ ጥራሕ እግሩ ካብ እንዳ ወለዱ ኣብ ዝወፅኣላ መዓልቲ ብዘይውንኡ ዓጀውጀው ይብል ከም ዝነበረ ኣዝማዱ ሓቢሮም።

ኣብቲ እዋን መኪንኡን መፍትሕን ኣብ ገዛ ገዲፉ ከም ዝወፅአ ኣባላት ስድርኡ ንፖሊስ ሓቢሮም ነይሮም።

ናይ እማን ዘይኮነ ሓሳባዊ ድምፂ ይስምዖ ነይሩ ድማ ይብሉ።

እቲ ድምጺ ድማ “ሽኮር ብላዕ” ዝብል እዩ ነይሩ።

ኣዲኡ ብ2009 ኣብ ዝሃበቶ መረዳእታ “ልቡ ልዕሊ ዓቐን ትወቅዕ ምህላዋ ከም ዝተሰምዖ ብምግላፅ ሸኮር እንተቝሒሙ ግን ከም ዝሓሾ ይዛረብ ነይሩ” ኢላ።

እቲ ንሱ ብድሕሪት ተቐርቂሩ ዝተረኸበሉ መዝሓሊ ማሽን (ፍሪጅ) ልዕሊ 3 ሜትሮን ፈረቓን ቁመት ኣለዎ።

ኣብቲ ሱፐርማርኬት ንዝርከቡ መደርደሪ ሸቐጣት የተዓራርዩ ዝነበሩ ሰባት ንኣስከሬኑ ከም ዝረኸቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣዲኡ ንሙሪሎ ወዳ ኣብ ዝጠፍኣሉ እዋን ኣብ መኽዝን ናይቲ ሹቕ ክህሉ ከም ዝኽእል ንነዊሕ እዋን ክትጠራጠር ምፅንሓ መርማሪ ፖሊስ ዳኒልሰን ተዛሪቡ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...