Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ንግዲ ንምቅልጣፍ ምስ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ተዛቲዮም

0 56

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንግዲ ንምቅልጣፍ ምስ ዝተጣየሹ ኣባላት ኮሚቴ ተዛቲዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገበሩ ምንቅስቓሳት ንግዲ ብዝምልከት ኣብ እዋን እቲ ዘተ ከምዝገምገመ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ምንቅስቓስ ዓውዲ ንግዲ እዛ ሃገር ንምምዕባል ዓሊሞም ኣብ ዝተተለሙ ናይ ሓፂርን ነዊሕን እዋን ሸቶታት ብምድሃብ ክግበሩ ብዛዕባ ዝግበኦም ምምሕያሻት ከምዝተላዘቡ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብቐሊሉ ኢንቨስትመንትን ስራሕቲ ንግዲን ንምጅማር ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር እቲ ዝተጀመረ ስራሕቲ ኣብ እወንታዊ ኩነታት ከምዘሎ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ገሊፆም።

ውፅኢቱ ድማ እዛ ሃገር ብእትስሕቦ ኢንቨስትመንትን እቲ ኢንቨስትመንት ብዝፈጥሮ ዕድል ስራሕን ከምዝምዘን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ከምኣቆፃፅራ ኣወሮፓውያን ኣብ 2021 ኢንቨስትመንትን ስራሕቲ ንግዲን ብቐሊሉ ንምጅማር ብቐዳምነት ምስ ዝፅርሑ 100 ሃገራት ዓለም ጎድኒ ንምስላፍ ዘኽእል ትልሚ ተሰናዲኡ ይስረሐሉ ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

ነዚ እውን ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኢንቨስትመንትን ስራሕቲ ንግዲን ንምስላጥ ዘኽእሉ 8 ሕጊታት ብምርቃቕ ምፅዳቖም ተሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ 40 ምምሕዳራዊ ምምሕያሻት ተግባራዊ ከምዝተገበሩ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ክሳብ ቀፃሊ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ተግባራዊ ዝግበሩ ትልሚታት ማእኸላይ እዋን ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ከምዝተገበሩ ድማ ተሓቢሩ።

Comments
Loading...