Fana: At a Speed of Life!

ሸሞንተ ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ከም ዝተሰማምዓ ተገሊፁ

0 105

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ሸሞንተ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ከም ዝተሰማምዓ ፈረንሳ ኣፍሊጣ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ዳግመ-ምጥያሽ ካብ ማእኸላይ ባሕሪ (ሜዲተራንያን) ዝደሓኑ ስደተኛታት አእጃመን ንምፍፃም ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፥ ሃገሮም ነቲ ሸኽሚ ኣብ ምቅላል እጃመን ንዘይፍፅማ ሃገራት እትገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ከም ዘይህሉ ኣፍሊጦም።

ብዋሕዚ ስደተኛታት ተዕለቕልቕ ዘላ ጣልያን ግን ኣብዚ ጉዳይ ንዝግበር ዘተ ኣስተናዒቓቶ’ላ።

ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ጣሊያን ማቲዮ ሳልቫኒ፥ ሃገሮም ኣብ ጉዳይ ስደት ዘለዋ ፅኑዕ ቅዋም ከይቕየር ይሙጉቱ ከም ዘሎዉ ይግለፅ።

ኣብ ዓመት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ (ሜዲተራንያን) ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮፓ ክበፅሑ ይፍትኑ። ሊብያ ድማ ቀንዲ መበገሲ ጉዕዞ እቶም ስደተኛታት’ያ።

እቶም ስደተኛታት እኹል ፅገና ብዘይተገበረለንን ልዕሊ ዓቐን ሰባት ብዝፀዓናን ጀላቡ ነቲ ባሕሪ ከቋፁ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ብዙሓት ህይወቶም ስኢኖም’ዮም።

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ሓድሽ ኣማራፂ ንምድላይ ዓሊሙ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየ ዘተ፥ ሚንስትራት ጉዳያት ውሽጢን ወፃእን ሃገራት ኣውሮፓ ተራኺቦም ነይሮም።

ፕሬዚዳንት ማክሮን ከም ዝሓበርዎ፥ ካብ 14 ሃገራት እተን ሸሞንተ ኣብቲ ዝቐረበ ኣማራፂ ሓቢረን ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ በፂሐን ኣለዋ።

ይኹን እምበር ብዛዕባ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ እቶም ፕሬዚዳንት ዝሃቡዎ ዝርዝር መብርሂ የለን።

እተን ሸሞንተ ሃገራት ከኣ ክሮሺያ፣ ፊንላንድ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኣየርላንድ፣ ሊቱንያ፣ ሉክዘምበርግን ፖርቱጋልን ኢየን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...