Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ፀፅታ ክልል ደቡብ ብግዚያውነት ብኮማንድ ፖስት ንክምራሕ ተወሲኑ

0 120

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓመለ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ዘለዉ ኩሎም ዞባታት፣ ፍሉያት ወረዳታትን ከተማ ሃዋሳን ዘሎ ስራሕቲ ፀፅታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፌዴራልን ሓይሊ ፀፅታን ብምዃን ብግዚያውነት ብኮማንድ ፖስት ንክምራሕ ከምዝተወሰነ ተገሊፁ።

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ብዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ልዕልነት ሕጊ ብኣግባቡ ምኽባር ኣይተኽኣለን።

ብመሰረት እዚ ድሕነነት ዜጋታት ኣብ ሕቶ ምልክት ወዲቑ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ፌዴራል፥ ብመሰረት መንግስቲ እቲ ክልል ዘቕረቦ ሕቶ ካብ 15 ሓምለ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ስራሕቲ ፀፅታ ክልል ደቡብ ብኮማንድ ፖስት ንክምራሕ ወሲኑ።

ከም ሓበሬታ እቲ መግለፂ፥ ኣብቲ ክልል ብምኽኒያት ዝተፈጠረ ህውከትን ናዕብን ኣብ ልዕሊ ንብረትን ህይወት ሰብን ሓደጋ በፂሑ ኣሎ።

ፍቓድ ዘይተውሃቦም ሰልፍታት ብምክያዶም ድማ ፀፅታ እቲ ክልል ዝህውኹ ምንቅስቓሳት ይረኣዩ ኣለዉ።

ስለዝኾነ ስራሕቲ ፀፅታ ኩሎም ዞባታት፣ ፍሉያት ወረዳታትን ከተማ ሃዋሳን ክልል ደቡብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፌዴራልን ሓይሊ ፀፅታን ብምዃን ብግዚያውነት ብኮማንድ ፖሰት ንክምራሕ ከምዝተወሰነ ተገሊፁ።

ዝርዝር ትሕዝቶ እቲ ኩነታት ኣብ ቀፃሊ ዕላዊ ከምዝግበር እውን ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ደቡብ

Comments
Loading...