Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሳለጥ ሓመለዋይ ልምዓት ዝውዕል 36 ሚሊየን ዩሮ ለጊሱ

0 81

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሳለጥ ሓምለዋይ ልምዓት ዝውዕል ካብ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ዝተለገሰ ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ 36 ሚሊየን ዩሮ ተፈሪሙ።

ነቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ኔቨን ሚሚካ ክታሞም ኣመቢረሙሉ።

ካብቲ ዝተገበረ ደገፍ ገንዘብ እቲ 33 ሚሊየን ዩሮ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምብራስ ደንን ብምኽኒያት ካብ ኢንዱስትሪታት ናብ ከባቢ ኣየር ዝተንን ሙቐትን ንምቕናስ ንዝግበር ፃዕሪ ዘገልግል ኢዩ ተባሂሉ።

ዝተረፈ 3 ሚሊየን ድማ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕነት ፓሪስ መረዳእታታት ንምእካብ፣ ንምውዳብን ንምክትታልን ንእትገብሮ ምንቅስቓስ ዘገልግል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

Comments
Loading...