Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ብምዃን ተሸይሞም

0 44

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2011(ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ብምዃን ሎሚ መዓልቲ ተሸይሞም።

ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ መበል ሓምሻይ ዙር ስሩዕ ኣኼብኡ የካይድ ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ስሩዕ ኣኼብኡ፥ ብሕፁይነት ዝቐረቡ ኣይተ ተመስገን ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ንክኾኑ ሸይሙዎም ኣሎ።

ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣማኻሪ ፀፅታን ቴክኖሎጂን ርእሰ ምምሕዳር፣ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ በዓል መዚ መገዲታት ገፀር ኣምሓራ፣ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ ኮንስትራክሽን መገዲታት ገፀር ኣምሓራ፣ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ጎጃም፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣምሓራ ብምዃን ኣገልጊሎም ኢዮም።

ብብርኪ ፌዴራል እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ሰራሕ ብዝተፈላለዩ ብርኪታት ሓላፍነት ከምዘገልገሉ ተገሊፁ።

ብኣላዛር ታደለ

Comments
Loading...