Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ምትእክካብ እቶት ነጋዶን ሰብሃፍትን ትግራይ ሓድነት ተጋሩ ዝተንፀባረቐሉ ነይሩ -መንግስቲ ትግራይ

0 70

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ምትእክካብ እቶት ነጋዶን ሰብሃፍትን ትግራይ ሓድነት ተጋሩ ዝተንፀባረቐሉ ከምዝነበረ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ትግራይ ገሊፁ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሓድሽ ካሱ ምስ ፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፥ በቲ እቶት ምትእክካብ መንግስቲ ዕጉብ እዮ።

ወያናይ ልምዓታዊ ዲሞክራሲ ንኩሉ ብማዕረ ተጠቃሚ ዝገብር ሰላምን ዲሞክራስን ዝዓሰሎ ማሕበረሰብ ስለዝፈጥር እቶም ነጋዶ ካብዚ ብምብጋሶም እዮ ዕውት እቶት ምትእክካብ ዘካየዱ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ኩል ግዘ ኣብ ዓርሰምርኮሳ ዝተመርኮሰ ዕብየት እዮ ዘለዎ ዝበሉ እቶም ምክትል ቢሮ ሓላፊ ቅድሚ ሐዚ ውን ብናይ ባዕሉ ፍልጠትን ጉልበትን ዕብየት ዘመዝገበ ህዝቢ ምኳኑ ዘረጋገፀ መድረክ ነይሩ ኢሎም።

ሰብ ሃፍትን ነጋዶን ካብ ዝተፈላለዮ ክልላት ንብዙሕ ዓመታት ዘዋህለሉዎ ንብረት ብፀረሰላም ሓይልታት ከምዝተቃፀለን ዝተወረረን ውን ኣዘካኪሮም።

እትም ነጋዶ ግና በዚ እንተዘይተሰኮኑ ፈተናታት በዲሆም ኢሎም። እቲ ምትእክካብ እቶት ነጋዶን ሰብሃፍትን ውን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ዝተረጋገፀሉ ነይሩ ኢሎም።

እቲ ምትእክካብ እቶት ናብ ህዝቢ ከምዝወርድ ዉን ተዛሪቦም።

ብዮናታን ግዛቸው

Comments
Loading...