Fana: At a Speed of Life!

ኢራን “ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ” ንዝሓዘታ መርከብ ክትሰድድ እንግሊዝ ኣተሓሳሲባ

0 88

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2011(ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝሓዘታ መርከብ ብቕልጡፍ ክተሰድድ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ኪንግደም ጀረሚ ሃንት ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ተግባር ኣብ መፃብቦ ሃርሙዝ ንዝግበር ናይ መራኽብ ጉዕዞ ናይ ውሕስነት ሕቶ ከም ዘልኣዕል’ውን ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር፥ ኢራን ንኣተሓሕዛ እታ መርከብ ዘርእይ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሓ እዮም ነዚ መግለፂ ዝሃቡ።

ኢራን ብግደኣ፥ እታ መርከብ ንኣህጉራዊ ሕጋጋት ጉዕዞ ባሕሪ ከም ዝጠሓሰት’ያ ትገልፅ።

ጀረሚ ሃንት ምስ ኢራናዊ መዘንኦም ድሕሪ ዝገበርዎ ናይ ተሌፎን ዝርርብ ኣብ ዝሃብዎ ሓፂር ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ኢራን ነዚ ዝገበረት ግብረመልሲ ናይታ ኣብ ጂብራልታር ዝተትሓዘታ መርከብ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብ መፃብቦ ሆርሙዝ ዘሎ ኩነታት ናብ ኲናት ከየምርሕ ዓቢይ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

 

Comments
Loading...