Fana: At a Speed of Life!

ትግራይ እትመሃሩላ ጥራሕ እንተይኮነትስ ኩልግዘ እትመላለሱላ ክልል እያ-ዶክተር ደብረፅዮን

0 54

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ዮኒቨርስቲ መቐለ ንመበል 27 ግዘ ሎሚ መዓልቲ 7 ሺሕን 425 ተምሃሮ ኣመረቑ።

ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፥ እቲ ዮኒቨርስቲ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ዕብየት እናርኣየ ከምዝመፀ ተዛሪቦም።

ኣብ 2011 ዓ.ም ብቅድመ ምረቓ121፣ ድህረ ምረቓ186፣ ድህረ ምረቓ ፒ ኤች ዲ 38 ነባራትን ሓደሽቲን ዝተከለሱ ፕሮግራማት ነይሮም ኢሎም።

ብኣጠቓላሊ 345 ሓደሽቲ ፕሮግራማት ኣለው ኢሎም እቶም ፕሮፌሰር።

ሳሆን ኩናማ ቋንቋን ውን ዮኒቨርስቲ መቐለ ብዲግሪ ኣስተምህሮ እናሃበ ይርከብ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 33 ሽሕ ተምሃሮ የምህር ከምዘሎ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ክንደያ፥ 22 ሽሕን 658 ደቂ ተባዕትዮ እንትኾኑ እተን 10 ሽሕን 655ን ድማ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ገሊፆም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ብመጀመርያ ዲግሪ 5 ሽሕን 146፣ ብድህረ ምረቃ 2 ሽሕን 221 ተምሃሮ ብሞያ ሕክምና ስፒሻሊቲ 54 ሰብ ሞያ፣ ብሳልሳይ ዲግሪ 4 ተምሃሮ ኣመሪቑ ኢሎም።

ናይ ክብሪ ጋሻ እቲ ዕለት ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ከምዝበልዎ፥

ብ192 ተምሃሮን ውሑዳት ክፍልታትን ምምሃር ምስተምሃር ዝጀመረ ዮኒቨርስቲ መቐለ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዓብዮ ኣሎ እውን ኢሎም።

ኣብዛ ሃገር ዘይተረጋገዐ ኩነታት ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ እቲ ዘይምርግጋዕ ንተምሃሮ ዮኒቨርስቲ ሃገርና ፀሊዩዎም ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ዮኒቨርስቲ መቐለ ሰላማዊ ምምሃርን ምስትምሃርን ክህሉ መንግስቲን ህዝብን እታ ከተማ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ኔርዎም ኢሎም።

ካብዚ ተመሪቖም ዝወፁ ተምሃሮ ውን ኣምባሳደራት ትግራይ ክኾኑ ይግባእ ኢሎም።

ትግራይ እትመሃሩላ ጥራሕ እንተይኮነትስ ኩልግዘ እትመላለሱላ ክልል እያ፤ ክብሉ ውን ነቶም ተመረቕቲ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

ብዮናታን ግዛቸው

Comments
Loading...