Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ምፅራይ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሓጎስ ገብረሂወትን ለተሰንበት ግደይን ተዓዊቶም

0 126

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኳታር ዶሃ ንዝካየድ መበል 17 ዙር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንምፅራይ ዓሊሙ ትማሊ ምሸት ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።

ብደቂ ተባዕቲዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 10 ሺሕ ሜትሮ፥ ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት 26 ደቂቓ 48 ሰከንድን 95 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው፣ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ 26 ደቂቓ 49 ሰከንድን 46 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው፣ ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ 26 ደቂቓ 49 ሰከንድን 99 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

ብደቂ ኣንስቲዮ ድማ፥ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ብ30 ደቂቓ 37 ሰከንድን 89 ማይክሮ ሰከንድን ቀዳመይቲ፣ ኣትሌት ነፃነት ጉደታ ብ30 ደቂቓ 40 ሰከንድን 85 ማይክሮ ሰከንድን ካልአይቲ ከምኡ እውን ኣትሌት ሰንበሬ ተፈሪ 30 ደቂቓ 45 ሰከንድን 14 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ሳልሰይቲ ብምዃን ተዓዊተን።

ብ3000 ሜትሮ መሰናክል ደቂ ኣንስቲዮ
********************************
ቀዳመይቲ፦ መቅደስ ኣበበ 9 ደቒቓ፣ 30 ሰከንድ፣ 63 ማይክሮ ሰከንድ

ካልአይቲ፦ ሎሚ ተፈራ 9 ደቒቓ፣ 31 ሰከንድ፣ 03 ማይክሮ ሰከንድ

ሳልሰይቲ፦ ዘርፌ ወንድማገኝ 9 ደቒቓ፣ 33 ሰከንድ፣ 27 ማይክሮ ሰከንድ

ብ3000 ሜትሮ መሰናክል ደቂ ተባዕቲዮ
*********************************

ቀዳማይ፦ ለሜቻ ግርማ 8 ደቒቓ፣ 08 ሰከንድ፣ 18 ማይክሮ ሰከንድ

ካልኣይ፦ ታደሰ ታከለ 8 ደቒቓ፣ 14 ሰከንድ፣ 88 ማይክሮ ሰከንድ

ሳልሳይ፦ ሃይለማርያም ኣማረ 8 ደቒቓ፣ 27 ሰከንድ፣ 58 ማይክሮ ሰከንድ

1 ሺህ 500 ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ
*****************************************

ቀዳማይ፦ ታደሰ ለሚ 3 ደቒቓ፣ 37 ሰከንድ፣ 34 ማይክሮ ሰከንድ

ካልኣይ፦ ሳሙኤል ኣባተ 3 ደቒቓ፣ 37 ሰከንድ፣ 54 ማይክሮ ሰከንድ

ሳልሳይ፦ ከበደ እንዳለ 3 ደቒቓ፣ 38 ሰከንድ፣ 21 ማይክሮ ሰከንድ

800 ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ደቂ ኣንስቲዮ
***********************************

ቀዳመይቲ፦ ድርቤ ወልተጂ 2 ደቒቓ፣ 00 ሰከንድ፣ 51 ማይክሮ ሰከንድ

ካልአይቲ፦ ሂሩት መሸሻ 2 ደቒቓ፣ 00 ሰከንድ፣ 92 ማይክሮ ሰከንድ

ሳልሰይቲ፦ ፍቅርተ ብርሃን 2 ደቒቓ፣ 05 ሰከንድ፣ 67 ማይክሮ ሰከንድ

800 ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ
***********************************

ቀዳማይ፦ ታምራት ቶላ

ካልኣይ፦ ኣዲሱ ግርማ

ሳልሳይ፦ ደረጃን ይዘው ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።

Comments
Loading...