Fana: At a Speed of Life!

ሴኔጋልን ኣልጄሪያን ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ ምሕላፈን ኣረጋጊፀን

0 58

ኣዲስ ኣበባ ፣ ሃምሌ 8 ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ሴኔጋልን ኣልጄሪያን ናብ ፅዋዕ ዋንጫ ኣፍሪካ መን ዓተረ ምሕላፈን ኣረጋጊፀን።

ትማሊ ምሸት ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ዋንጫ ኣፍሪካ ተኻይዱ።

ሴኔጋልን ቱኒዚያን ሰዓት 1 ምሸት ኣብ ዘካየድኡ ፀወታ፥ ስሩዕ ሰዓት 90 ደቓይቕ ተዛዚሙ ኣብ ተወሳኺ(30 ደቓይቕ) ሰዓት ቱኒዚያዊ ተኸላኻሊ ናብ ናይ ባዕሉ መርበብ ብዘቑፀራ ብሕታዊት ሸቶ ሴኔጋል ተዓዊታ።

ምሸት ሰዓት 4 ኣብ መንጎ ኣልጀሪያን ናይጀሪያን ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ድማ፥ ኣልጀሪያ 2 ን1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ።

ብመሰረት እዚ ሴኔጋልን ኣልጄሪያን ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ ምሕላፈን ኣረጋጊፀን ኣለዋ።

ናይጀሪያን ቱኒዚያን ድማ ንደረጃ ክፃወታ ኢየን።

Comments
Loading...