Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ብራዚል ቦልሶናሮ ንወዶም ብኣምባሳደርነት ክሾሙ እዮም

0 32

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 201 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባል ፓርቲ የማናይ ክንፊ ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ብራዚል ቦልሶናሮ ንወዶም ኣምባሳደር ብራዚል ኣብ ኣሜሪካ  ንክኾን ከምዝሸሙዎ ተገሊፁ።

35 ዝዕድሚኡ ኤድዋርዶ ቦልሶናሮ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከም ኣባል ባይቶ ኮይኑ እዩ ዘገልግል ዘሎ።

ብተወሳኺ ንኣቡኡ ፕሬዚዳንት ቦልሶናሮ ኣብ ጉዳያት ወፃኢ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ከምዘገልግሎም ተሓቢሩ።

እቲ ብኣምባሳዳርነት ዝወሃቦ ስራሕ ንምቕባል ድልው ከምዝኾነ ድማ ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊፁ።

ብራዚል ኣብ ኣሜሪካ ዘለዋ ናይ ኣምባሳደርነት ቦታ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ክፉት እዩ ዘሎ።

ኤድዋርዶ ኣምባሳደር ኮይኑ ከገልግል እንተወሲኑ፥ ካብ ኣባልነት ባይቶ ሃገሩ ክወፅእ ኣለዎ።

ፕሬዚዳንት ብራዚል ቦልሶናሮ፥ ብዙሓት ካብ ስድራቤቶም ከም ኣማኸርቶም ኮይኖም ከም ዝሰርሑ ይግለፅ።

ነዚ እውን ቦኹሪ ወዶም ፍላቨዮ ሰናተር እንትኸውን፥ ካርሎስ ቦልሶናሮ ድማ ኣብ ከተማ ሮዮ ድጅንየሮ ኣባል ምምሕዳር ከተማ ኮይኑ ይሰርሕ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

 

 

Comments
Loading...